By Tigray Liberty Media (TLM)

ሓርነት ከም ሰብ ዓርስኻን ሓሳብኻን ኾይንኻ ከም ማሕበራዊ እንስሳ ድማ ንሕግታትን ክብርታትን ማሕበረሰብካ ኣኽቢርካ ብኣማናዊ መንነትካ እትነብረሉ ግቡእ ናይ ሀይወት ፈለግ እዩኣብ ጉዕዞ ህይወት ከየቛረፀ ዝውሕዝ ንእምነታቱ ንሓሳባቱንመሓዝቱዘልምዕ ንኻልኦት ዘይበልዕ ብስነምግባራዊ ጀግንነትኻ እተጥርዮ ዓርስኻ እትረኽበሉ እትነብረሉን ዉሽጣዊ ሓይሊ እዩ

ሓርነቶም ዝኣወጁ ዉልቀሰባት እንትእከቡ ድማ ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ይኾኑ ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ኣብ ምህዞ ኣብስራሕ ኣብፍርያት ኣብ ፍትሒ ብሙሉእ ልቡ ትረኽቦሓርነቱ ኣብ ህሊንኡ ዝወነነ ዉልቀሰብ ናይ ዓርሱን ናይ ካልኦትንዋጋ ኣዝዩ ኽባር ምኻኑዝፈልጥ ሰብ መኽበራይገፅ ሰብእናረኣየ ገማዕ ገማዕ እናበለ ጉጅለኣዊ ሓሳብ ከይኮነስ ንፍልጠቱ ኣሚኑ ግና ድማ እናመርመረእናሳነየ ዝነብር፣ ንተፈጥሮኣዊ መሰላት ተሓላቓይዓል ሙሉእ ዓርሰ እምነት ይኸውን

ብሓርነት ንኽነብር ኩሉ ዓቕሚ ተዋሂብዎ ዝተፈጠረ ወዲሰብ መንግስታት መራሕቲ ሃይማኖት ከደምቲ ፖለቲካዊ ፅንሰ ሓሳብካብቶም ቀዲሞም ዝስርዑ መንጠልቲ ሓርነት እዮም

እዚ ዘመን ሕድሕደ ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ድዩወይስ ኣይወነነን ኢልና እንርእየሉ ቁርፀኛ እዋ ኾይኑሎበዚዛዕባንዓርስና ንምዕቃን ድማ ሓርነት ከመይ ይምንጠል? ኢልናገለ ዉሽጣዊ ሓርነት ዘጥፍኡ መገድታት ንርአ ሓርነትስሑትሃይማኖታዊ ትምህርቲ ብኸይዲ ትምንጠልናፃ ኣውፂእናካ ዝብሉ እዋናዊያን ሰበስልጣን እውን ትምንጠል ኣብ ጉዳይ ዓድኻካልአዋ ትኸውንፖለቲካዊ ልዕልና ዝረኸቡ ፖለቲከኛታት ተለኣኣኺ  ፅንሰ ሓሳቦም እንተዘይኾይን ኻብቕፅዓትን ብምንሻውንሓርነትኻ ይምንዝዑኻነዚኦምካልኦት ሓቅታት ሪኢና ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ህዝቢ ድዩ? ሓርነቱ እንተዝውንንኸኣይመልመዓን? ኩሉ ክእለታቱ ብፍርያት ኣይመርኣየንዶ? ካብ ገለ ሓይልታት ተፀባዪ ሓሳብን ቃላትን ኣይኮነንዶ? ንመስዋእትነቱ ዋጋ ኣይምሓተተንዶ? እናኸፍኦ ተመሳሲ ምንባር ይሓይሽ ምበለዶ ነይሩ? ሓራ ሃገርኸ ኣይምነንንዶ? ኢልና ሓቲትና ንለከዓዮ

ዉልቃዊ ሓርነት ዘይወነነ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዘሎ ዉልቀሰብሙሁር ሰራዊት በዓል ሃፍቲ ኣብ መቑሕ ዝነብር ሓቀኛ ጣዕሚህይወት ዘይረኸበ ናይ ጎተቱ መናብርቲ ዕድል ደቁ ብምህዞ ዘየመዓራር ናይ ካልኦት ባርያ ኾይኑ ይሓልፍ

ትግራዋይ ረብሓን ዉልቃዊ ሓርነት ምልስ ኢሉ ክርኢ ኣለዎገለ ረብሓታት ውልቃዊ ሓርነት ንምጥቃስ ብኹሉ መዳይ ንባዕልኻትምስል ንኻልኦት ስለተኽብርን ስለዘኽብሩኻ ምስካልኦት ብሰነያ ትነብር ፍልፍል እወንታዊ ሓድነት ትኸውንንሰባት ክትመስልዲሕ ይትብልን ንዓርስኻ ትመስል ሓቂ ትዛረብ ንሓቂውን ትሰምዓ ብደቀቐቲ ተስፋታት ሸንዳሕዳሕ ኢልካ መሰልካ ኣሕሊፍካኣይትህብ ካልኦትውን ኣይተሸድንንተበላፃይ ከይኮንካስ ተሳታፋይ ለማናይ ከይኮንካስ ወሃባይ ትኸውን መጣቓዓይ ከይኮንካስዝተረደኦ ደጋፋይ ኮይንካ በዓልፍረ ትኸውን ተሓሽካራይ ከይኮንካስ ምኽንያታዊ ተኸታሊ ትኸውንክትሕስው ዘገድደካ ነገርኣቐዲምኻ ስለዝቐተልካዮ ሓሶት ባዕላ ትሃድመካ ርኡይ ሓቀኛ ትኸውን::

እዚ ዝመስል መንነት ዝህበካ ዉሽጣዊ ሓይሊ ደርቢካ ምንባር ንሕሊናኻ ኣደዳ ደጋዊ በትሪ ጌርካ እናተገረፍካ ንምንባር ፈቓድ ምሃብእዩ ዉፅኢቱ ድኽነትን ዕንወትን እምብር ካልእ ተስፋ ብሉን

ስለዝኾነ ተጋሩ ሙሉእ ውልቃዊ ሓርነት ንትባዕ! ካበቶም ዘይሓቀኛ መንነትና ክንውን ዘለማመዱና ፖለቲካዊ መቑሓትንሃይማኖታዊ ኾኑ ካልኦት ድሕረታትን ሓራ ንውፃእሓራ ዝወፀ ዉልቀሰብ ተኣኪቡ ሓራ ዝወፀ ዓዲ ይውንን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *