ሓርነት ከም ሰብ ዓርስኻን ሓሳብኻን ኾይንኻ ከም ማሕበራዊ እንስሳ ድማ ንሕግታትን ክብርታትን ማሕበረሰብካ ኣኽቢርካ ብኣማናዊ መንነትካ እትነብረሉ ግቡእ ናይ ሀይወት ፈለግ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ከየቛረፀ ዝውሕዝ ንእምነታቱ ንሓሳባቱንመሓዝቱዘልምዕ ንኻልኦት ዘይበልዕ ብስነምግባራዊ ጀግንነትኻ እተጥርዮ ዓርስኻ እትረኽበሉን እትነብረሉን ዉሽጣዊ ሓይሊ እዩ።
ሓርነቶም ዝኣወጁ ዉልቀሰባት እንትእከቡ ድማ ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ይኾኑ። ሓርነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ኣብ ምህዞ፣ ኣብስራሕ፣ ኣብፍርያት፣ ኣብ ፍትሒ ብሙሉእ ልቡ ትረኽቦ። ሓርነቱ ኣብ ህሊንኡ ዝወነነ ዉልቀሰብ ናይ ዓርሱን ናይ ካልኦትንዋጋ ኣዝዩ ኽባር ምኻኑዝፈልጥ ሰብ መኽበራይ፣ ገፅ ሰብእናረኣየ ገማዕ ገማዕ እናበለ ጉጅለኣዊ ሓሳብ ከይኮነስ ንፍልጠቱ ኣሚኑ ግና ድማ እናመርመረእናሳነየ ዝነብር፣ ንተፈጥሮኣዊ መሰላት ተሓላቓይ፣ በዓል ሙሉእ ዓርሰ እምነት ይኸውን።
ብሓርነት ንኽነብር ኩሉ ዓቕሚ ተዋሂብዎ ዝተፈጠረ ወዲሰብ መንግስታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ከደምቲ ፖለቲካዊ ፅንሰ ሓሳብንካብቶም ቀዲሞም ዝስርዑ መንጠልቲ ሓርነት እዮም።
እዚ ዘመን ሕድሕደ ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ድዩወይስ ኣይወነነን ኢልና እንርእየሉ ቁርፀኛ እዋን ኾይኑሎ። በዚዛዕባንዓርስና ንምዕቃን ድማ ሓርነት ከመይ ይምንጠል? ኢልናገለ ዉሽጣዊ ሓርነት ዘጥፍኡ መገድታት ንርአ። ሓርነትኻብስሑትሃይማኖታዊ ትምህርቲ ብኸይዲ ትምንጠል። ናፃ ኣውፂእናካ ብዝብሉ እዋናዊያን ሰበስልጣን እውን ትምንጠል ሞኣብ ጉዳይ ዓድኻካልአዋይ ትኸውን። ፖለቲካዊ ልዕልና ዝረኸቡ ፖለቲከኛታት ተለኣኣኺ ፅንሰ ሓሳቦም እንተዘይኾይን ኻብቕፅዓትን ብምንሻውንሓርነትኻ ይምንዝዑኻ። ነዚኦምን ካልኦት ሓቅታትን ሪኢና ትግራዋይ ዉልቃዊ ሓርነቱ ዝወነነ ህዝቢ ድዩ? ሓርነቱ እንተዝውንንኸኣይመልመዓንዶ? ኩሉ ክእለታቱ ብፍርያት ኣይመርኣየንዶ? ካብ ገለ ሓይልታት ተፀባዪ ሓሳብን ቃላትን ኣይኮነንዶ? ንመስዋእትነቱ ዋጋ ኣይምሓተተንዶ? እናኸፍኦ ተመሳሲልኻ ምንባር ይሓይሽ ምበለዶ ነይሩ? ሓራ ሃገርኸ ኣይምነንንዶ? ኢልና ሓቲትና ንለከዓዮ።
ዉልቃዊ ሓርነት ዘይወነነ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዘሎ ዉልቀሰብ፣ ሙሁር፣ ሰራዊት፣ በዓል ሃፍቲ… ኣብ መቑሕ ዝነብር ሓቀኛ ጣዕሚህይወት ዘይረኸበ፣ ናይ ጎተቱ መናብርቲ፣ ዕድል ደቁ ብምህዞ ዘየመዓራርን ናይ ካልኦት ባርያ ኾይኑን ይሓልፍ።
ትግራዋይ ንረብሓን ዉልቃዊ ሓርነት ምልስ ኢሉ ክርኢ ኣለዎ። ገለ ረብሓታት ውልቃዊ ሓርነት ንምጥቃስ ብኹሉ መዳይ ንባዕልኻትምስል፣ ንኻልኦት ስለተኽብርን ስለዘኽብሩኻን ምስካልኦት ብሰነያ ትነብር፣ ፍልፍል እወንታዊ ሓድነት ትኸውን፣ ንሰባት ክትመስልዲሕ ኣይትብልን ንዓርስኻ ትመስል፣ ሓቂ ትዛረብ ንሓቂውን ትሰምዓ። ብደቀቐቲ ተስፋታት ሸንዳሕዳሕ ኢልካ መሰልካ ኣሕሊፍካኣይትህብ ንካልኦትውን ኣይተሸድንን። ተበላፃይ ከይኮንካስ ተሳታፋይ ለማናይ ከይኮንካስ ወሃባይ ትኸውን፣ መጣቓዓይ ከይኮንካስዝተረደኦ ደጋፋይ ኮይንካ በዓልፍረ ትኸውን፣ ተሓሽካራይ ከይኮንካስ ምኽንያታዊ ተኸታሊ ትኸውን፣ ክትሕስው ዘገድደካ ነገርኣቐዲምኻ ስለዝቐተልካዮ ሓሶት ባዕላ ትሃድመካ፤ ርኡይ ሓቀኛ ትኸውን::
እዚ ዝመስል መንነት ዝህበካ ዉሽጣዊ ሓይሊ ደርቢካ ምንባር ንሕሊናኻ ኣደዳ ደጋዊ በትሪ ጌርካ እናተገረፍካ ንምንባር ፈቓድ ምሃብእዩ። ዉፅኢቱ ድኽነትን ዕንወትን እምብር ካልእ ተስፋ የብሉን።
ስለዝኾነ ተጋሩ ንሙሉእ ውልቃዊ ሓርነት ንትባዕ! ካበቶም ዘይሓቀኛ መንነትና ክንውን ዘለማመዱና ፖለቲካዊ መቑሓትንሃይማኖታዊ ኾኑ ካልኦት ድሕረታትን ሓራ ንውፃእ። ሓራ ዝወፀ ዉልቀሰብ ተኣኪቡ ሓራ ዝወፀ ዓዲ ይውንን።
